ሕቶ(69): ብአንፃር እዝንና ዓርሱ ዝኸአለ ማይ የድልዮም ድዩ? ወይለ ንርእሲ ብዝተጠቀምናሉ ማይ ክኾን ይኽእል?
መልሲ:
ንእዝኒ ዝኸውን ዓርሱ ዝኸአለ ሓድሽ ማይ ምትሓዝ ግዴታ ወላ ዝሓሸ ሓሳብ አይኮነን። ምኽንያቱ ብዛዕባ ውዱእ ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ዘመሓለለፉ ብሙልኦም ነቢና ሶለሏሁ ዓለይሂ ወሰለም ንእዝኖም ንርእሶም ካብ ዝሓዝዎ ማይ ዝተፈለየ ዓርሱ ዝኸአለ ይሕዙ ከምዝነበሩ አይገለፁን። ስለዚ እቲ ብሉፅ ርእሱ ካብ ዝሓበሰሉ ማይ ብዝተረፈ ማይ እዝኑ ንኽሕብስ እዩ።